ቅዋም ኤርትራውያን ማሕበር ተርጎምቲ ፍልጠት (ኤ/ማ/ተ/ፍ)

ንሕና ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ንሰርሕን ንመሃርን ዝተፈላለየ ደረጃ ትምህርቲ ዘለና ኤርትራውያን፡ ንደረጃ ትምህርትን ፍልጠትን ህዝባና ክብ ንምባልን ናይ ኣደ ቋንቋታት ንምምዕባልን፡ ካብ ኩሉ ዓውደ ፍልጠታት ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሃገርና ኣዳሊና ንህዝብና ክንምህርን ከነማዕብልን ተበጊስና ኣለና። ነዛ ማሕበር ክትምስረት ሓሳብ ዘንቀለ ኣብ ዓውደ ሕክምና ዝሰርሕ ዶክቶር ሓድነት ዑቕባይ ወልደጽዮን ኮይኑ፡ መንእሰያትና ምስ ንቕሓቶም እንከለዉ ብሰንኪ ናይ ቋንቃ ጸገማት፡ ንህይወትና ጸለውቲ ዝኾኑ ዓለም ካብ እትፍጠር ጀሚሮም ዝማዕበሉን ዝተበጽሑን ሳይንሳውያን ፍልጠታት ከይተማህሩን ከየስተማቀሩን ከይተርፉ ብዝብል እዩ። ነቲ ምዕባለታት ምርኩስ ተጠቂሞም ድማ ትምህርቲ ወሲኾም ዓበይቲ መሃዝቲ ክኾኑሉ ዝኽሉ ዕድላት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ዶክተር ሓድነት፡ እቲ ዘበገሶ ሓሳብ ኣብ ምዕቃብ ቋንቋታት ሃገርና ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ ኢሉ ስለዝኣመነ እዩ። እዛ ማሕበር ብዝገበረቶ ጎስጓስ ወለንታውያን ሰዓብቲ ከተጥሪ ስለ ዝኸኣለት፡ ድቂ ተመስሪቱ። ንዝተፈጥረ ድቂ ንምዕኳኽ ብዝተገብረን ዝግብርን ዘሎ ቀጻሊ ጻዕርታትን ‘’ማሕበር ተርጎምቲ ፍልጠት’’ እትበሃል ትካል ንምቛም ተፈቲኑ። ወለንታውያን ኣባላት እናሰሰኑ፡ ክኢላታት ሕግን ካልኦትን ዓውድታትን ምስ ተጸንበርዎ፡ ምሕበር ንኽትምስረት ብርክት ዝበሉ ናይ ሕጊ ብድሆታት ከምዘለዉ ብምስትብሃል፡ ንግዜኡ ፍኹስ ዝበለ ኣብ 6 ወርሒ ዝሕደስ ቅዋም ተነዲፉ። ቅዱስ ሰብኣዊ ዕላማ ዘለዎ ጥርኑፍን ዉዱብን ሓይሊ ብምቛም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ትምህርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንነኣሽቱ የሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብዛ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ፍልጠታት ብደቂቅ ብቋንቆኦም ንክርደኦምን ተረዲኦም ዓበይቲ ነገራት ንነብሶምን ንህዝቦምን ዝሰርሕሉን ባይታ ክፍጠር ይስርሓሉ ኣሎ። ዘድሊ መጽናዕቲ ብምግባርን ምጽፋፍን ካብ ደረጃ ውሑዳት ሰባት ናብ ኣሽሓት ወለንተኛታትን ተቆጺሮም ዝሰርሑን ክስገር ክስርሓሉ እዩ። እዛ ማሕበር እዚኣ ሰብእዊ ዕላማ ዘለዋ ኮይና ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታዊ ኮነ ካልኦትን ጽልዋታትን ናጻ ኮይና፡ ዘይሻራዊት ዘይመንግስታዊት ናጻ ማሕበር አያ። ንዝኾነ ወለንታዊ ፊናንሳዊ፡ ክኢላዊ፡ ሞራላውን ካልእን ሓገዝ ከበርክት ዝደልን ዝኽእልን ሰብ ኣባላ ክኽውን ሓንጎፋይ ኢላ ትቕበል። ንድፊ ናይ’ዚ ቅዋም እዚ ኣብ ዕለት 17/01/2022 ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ኤርትራውያን ማሕበር ተርጎምቲ ፍልጠት ቀሪቡ ዘድሊ ዘተን ምምሕያሻት ተገይርሉ ጸዲቑ ግብራዊ ኮይኑ ኣሎ።