ሄማቹርያ (ደም ኣብ ሽንቲ)

Must Read

ደም ኣብ ሽንቲ (ሄማቹርያ) መብዛሕትኡ ግዜ ብከቢድ ኩነታት ዝብገስ እኳ እንተዘይኮነ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ቀሪብካ ግን ክትምርመር ኣለካ።

ከምዚ ምስ ዝኸውን ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ተርአ ወይ ናብ 111 ደውል ፦ 

ደም ኣብ ሽንቲ እንተ ሃልዩ ከምኡ ውን ፦

  • ካልእ ምልክታት እንተዘይብልካ
  • ንመጀመርታ ግዜ እንተጋጢሙ
  • ውሑድ ደም ተኮይኑ
  • ደም ምኳኑ ርግጸኛ እንተዘይኮንካ

ደም ኣብ ሽንቲ ብሩህ ሮዛ ፡ ቀይሕ ወይ ጸሊም ቡናዊ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ሽንቲ ዝርከብ ደም ምልክት መንሽሮ ክኸውን ስለ ዝኽእል መርመራ ክግበረሉ ይግባእ። እዚ ብኣጋኡ እንተ ተረኺቡ ንምፍዋሱ ዝቐለለ እዩ ።

ኣብ ቆጸራኻ እንታይ የጋጥም?

ሓፈሻዊ ሓኪም ብዛዕባ ምልክታት ይሓትት ፡ ከምኡ ውን ናይ ባጡቅ ወይ ናይ ርሕሚ (ጓል ኣንስተይቲ) መርመራ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

ብተወሳኺውን:-

  • ናይ ሽንቲ ወይከኣ ናይ ደም መርመራ ይገብር።
  • ረኽሲ ኣለካ ኢሉ እንተሓሲቡ ጸረ-ረኽሲ መድሃኒት ይእዝዝ።
  • መርመራታት ንምግባር ናብ ክኢላ በዓልሞያ ሕክምና የማሓላልፈካ።

ጠንቅታት ደም ኣብ ሽንቲ

ኣብ ሽንቲ ዝርከብ ደም ካብ ዝኾነ ናይ ስርዓተ ሽንቲ ኣካሊት ክብገስ ይኽእል – ፍሕኛ ፡ ኩሊት ወይ መትረብ ሽንቲ።

ካልእ ምልክታት እንተሃልዩካ ነቲ ጠንቂ ኣብ ምልላይ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ዝኮነ ደም ኣብ ሽንቲ ምስዝህሉ ኣብ ክንዲ ባዕልኻ ሕማምካ ምዋሳን ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክትከይድ ይግባእ።

ጠንቂ ናይ ደም ኣብ ሽንቲ

ምልክታትክኾኑ ዝኽእሉ ጠንቅታት
ዘቃጽል ስምዒት ኣብ ግዜ ሽንቲ ፡ ብብዝሒ ክትሸይን ምድላይ ፡ ደባን ወይ ጨናዊ ሽንቲ ፡ ልዑል ረስኒ ፡ ቃንዛ ኣብ ታሕተዋይ ጎኒ ሕቆረኽሲ ናይ ስርዓተ ሽንቲ
ኣታውን ወጻእን ብርቱዕ ቃንዛ ኣብ ታሕተዋይ ጎኒ ሕቆ ወይ ረቃቂቶ ፡ ብሕቆካ ክትድቅስ ዘይምኽኣልጸጸር ኩሊት
ኣብ ዓበይቲ (ልዕሊ 50 ድማ) ድማ ክሸኑ ይሽገሩ ፡ ብሃንደበት ሽንቲ ይመጾም ከምኡ ውን ኣብ ግዜ ለይቲ ሽንቲ ይመጾም ዕቢት ፕሮስቴት

ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ደም ዘይክኸውን ይኽእል ኢዩ ፦

  • ኣብ ቀረባ እዋን ባርባቤቶላ እንተበሊዕኻ – እዚ ንሽንቲ ናብ ቀይሕ ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ።
  • ሓድሽ መድሃኒት ትወስድ እንተሃሊኻ – ገለ መድሃኒታት ንሽንቲ ቀይሕ ወይ ቡናዊ ክቕይሩ ይኽእሉ ኢዮም።
  • ብመሃንቱስ ትደሚ እንተሃልሊካ።
  • ኣብ ግዜ ጽግያት እንተጋጢሙ።
- Advertisement -spot_img

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img
Latest News

መርመራ ጸቅጢ ደም

መርመራ ጸቕጢ ደም ናይ ደም ጸቕጢ ጽቡቅ ድዩ ልዑል ወይስ ትሑት ምዃኑ ይሕብር። ጸቕጢ ደም ማለት ደም ኣብ ዙርያ...
- Advertisement -spot_img

More Articles Like This

- Advertisement -spot_img