ደም ምስራብ

Must Read

ደም ምስራብ ልሙድ ጸገም ኮይኑ ኣዝዩ ዘሕፍርን ንመዓልታዊ ህይወትካ ዝጸሉን እዩ። ነዚ ደው ንምባል ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ።

ንገዛእርእስኻ ካብ ደም ምስራብ ብኸመይ ደው ተብላ?

ግበር

  • ክትዛነ ፈትን ከምኡ ድማ ምስትንፋስ ዝሕግዝ ምውስዋስ ኣካላት ተላመድ ፦ እዚ ጭንቀትን ሻቅሎትን ንምንካይ ይሕግዝ።
  • ክዳን ብምእላይን ማይ ብምስታይን ነብስካ ኣዝሕል።
  • ኣብ ውጥረት ዝመልኦ ኵነታት ከም ቃለ-መጠይቕ ወይ መደረ ክትህብ ከለኻ ፡ ናይ ቈርበትካ ምቕያሕ ዘጕድል ዴኮረሽን ተጠቀም።

ኣይትግበር

  • ቀመማዊ መግብታት ኣይትብላዕ ፡ ኣልኮል ወይ ውዑይ መስተ ኣይትስተ ብፍላይ ደም ምስራብ ዘስዕቡልካ ተኮይኖም።

ልሙዳት ጠንቂ ምስራብ ደም

ብዙሓት ዝተፈላለዩ ነገራት ደም ምስራብ ከስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ብሕፍረት ፡ ሃሩር ወይ ጭንቀት ኢዩ ዝመጽእ።

ሓደ ሓደ ግዜ ካልኦት ተወሰኽቲ ምልክታት እቲ ጠንቂ እንታይ ከምዝኾነ ክሕብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

ምልክታትክኾኑ ዝኽእሉ ጠንቅታት
መብዛሕትኡ ግዜ ቀይሕ ገጽ ፡ ንኣሽቱ ሰራውር ደም ኣብ ትሕቲ ቆርበትካ ክርኣዩ ይኽእሉ።ሮሳካ
ሃንደበታዊ ረስኒ ፡ ናይ ለይቲ ረሃጽ ፡ ናይ ርሕሚ ምንቃጽ፡ ትሑት ስምዒት ፡ ምንካይ ድሌት ጾታዊ ርክብንጽፈ-ጽግያት
ብዙሕ ምርሃጽ ብፍላይ ኣብ ትሽትሽካ ፡ ኣእዳውካ ፡ ኣእጋርካ ፡ ገጽካን ረቃቂቶካን።ዝይዳ ርሃጽ
ኣብ ክሳድካ ሕበጥ ፡ ጭንቀትን ሕርቃንን ፡ ምልውዋጥ ስምዒት ፡ ምድቃስ ምስኣንን ድኻምን።ልዑል ንጥፈት ናይ ታይሮይድ

ገለ መድሃኒታት ውን ደም ምስራብ ከስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም። ዝኾነ መድሃኒት ቅድሚ ምውሳድካ ጎድናዊ ሳዕቤን ከም ምስራብ ደም ኣልዎን የብሉን ኣረጋግጽ።

ከምዚ እንተ ደኣ ርኢኻ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ተርአ ፡-

  • እቲ ዘጋጥመካ ዘሎ ደም ምስራብ  ንመዓልታዊ ህይወትካ ይጸልዎ እንተልዩ።
  • እቲ ምስራብ ደም ብሰንኪ ሕክምናዊ ኩነት ወይ ትወስዶ ዘለካ መድሃኒት ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢልካ እንተሓሲብካ።

ፍወሳ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪም

ፍወሳ ናይ ደም ምስራብ ኣብቲ ጠንቂ ኢዩ ዝምርኮስ።

ንኣብነት ፡ ሓፈሻዊ ሓኪም ከምዚ ዝስዕብ ክገብር ይኽእል ፦

  • ናይ ምዝራብ ሜላ ፍወሳ – ደም ምስራብ ብሰንኪ ውጥረት ወይ ጭንቀት ዝስዕብ እንተኾይኑ ፡ ከም ፍወሳ ንቕሓትዊ ጠባያት(CBT) ይእዘዘልካ።
  • ጭንቀት ዘጉድሉ ፡ ደም ምስራብ ዝከላኸሉ ወይ ውን ነቲ ጠንቂ ዝፍውሱ መድሃኒት ክህበካ ይኽእል። 
- Advertisement -spot_img

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img
Latest News

ሄማቹርያ (ደም ኣብ ሽንቲ)

ደም ኣብ ሽንቲ (ሄማቹርያ) መብዛሕትኡ ግዜ ብከቢድ ኩነታት ዝብገስ እኳ እንተዘይኮነ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ቀሪብካ ግን ክትምርመር ኣለካ። ከምዚ ምስ...
- Advertisement -spot_img

More Articles Like This

- Advertisement -spot_img