ስያኖሲስ (ሰማያዊ ቆርበት ወይከኣ ከንፈር)

Must Read

ስያኖሲስ ማለት ሕብሪ ቆርበትካ ወይ ኸናፍርካ ሰማያዊ ክኸውን ከሎ ኢዩ። እዚ ምልክት ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ሲያኖሲስ ከምዘለካ ብከመይ ትፈልጥ?

ኣብዞም ዝስዕቡ ክፍልታት ኣካላትና ሰማያዊ ሕብሪ ከተስተብህል ትኽእል ፦

  • ኸናፍር
  • ልሳን
  • ግርጻን
  • ቆርበት
  • እዝኒ
  • ኣብ ትሕቲ ጽፍሪ

ጸሊም ቈርበት እንተ ሃልዩካ ሲያኖሲስ ኣብዚ ዝስዕብ ቦታታት ብቐሊሉ ክረኣየካ ይኽእል እዩ ፦

  • ኣብ ኸናፍርካ ፡ መልሓስካን ግርጻንን
  • ኣብ ትሕቲ ጽፍሪ
  • ኣብ ዙርያ ኣዒንትኻ

ኣእዳውካን ኣእጋርካን ትሑት ዙረት ደም እንተዘይሃልዩ ኩሉ ግዜ ንቡር ሙቐት ኣለዎ።

እዚ ምስ ዝኸውን ናብ 999 ደውል ወይ ናብ ክፍሊ ሓደጋን ህጹጽ ረድኤት ኺድ :- 

  • ኸናፍር ፡ መልሓስ ፡ ገጽ ወይ ቈርበት ናትካ ወይ ናይ ወድኻ ሃንደበት ሰማያዊ እንተ ኮይኑ።

ንስኻ ወይከኣ ውላድካ ከምዚ ዝስዕብ እንተሃልዩካ :-

  • ጸገም ምስትንፋስ
  • ቃንዛ ኣፍ ልቢ

እዚ ምልክታት ናይ ከቢድ ሕማማት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ጠንቅታት ስያኖሲስ

ሲያኖሲስ ኣብ ደምካ እኹል ኦክስጅን ከምዘየለ ወይ ከኣ ድኹም ዙረት ደም ከምዘለካ የመልክት። በዞም ዝስዕቡ ከበድቲ ጥዕናዊ ጸጋማት ከኣ ክስዕብ ይኽእል :-

  • ኣብ ሳንቡእ – ከም ኣዝማ ወይ ኒሞንያ (ነድሪ ሳምቡእ)
  • ኣብ ሻምብቆ ኣየር – ከም ትኽትኽታን ምስርናቅን
  • ኣብ ልቢ – ከም ድኻም ልቢ ወይ ተፈጥራዊ ሕማም ልቢ

ካልእ ጠንቅታት ሲያኖሲስ እውን ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል ፦

  • ረይናውድ – ኣጻብዕቲ እግርን ኢድን ዝጸሉ ሕማም። 
  • ቤታ ዓገትቲ – ልዑል ጸቕጢ ደም ንምፍዋስ ዝሕግዝ መድሃኒት
  • ካብን ናብን መሓውሩ ዝዘውር ደም ዝዓግት ዝረግአ ደም
  • ኣብ ዝሑል ኣየር ወይ ማይ ምህላው
  • ኣዝዩ ጸቢብ ክዳን ወይ ስልማት ምኽዳን 

ፍወሳ ሲያኖሲስ

ሲያኖሲስ ምልክት ናይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኢዩ። ፍወሳ ከኣ ኣብቲ ጠንቂ ኢዩ ዝምርኰስ።

- Advertisement -spot_img

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img
Latest News

ሄማቹርያ (ደም ኣብ ሽንቲ)

ደም ኣብ ሽንቲ (ሄማቹርያ) መብዛሕትኡ ግዜ ብከቢድ ኩነታት ዝብገስ እኳ እንተዘይኮነ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ቀሪብካ ግን ክትምርመር ኣለካ። ከምዚ ምስ...
- Advertisement -spot_img

More Articles Like This

- Advertisement -spot_img