መርመራ ጸቅጢ ደም

Must Read

መርመራ ጸቕጢ ደም ናይ ደም ጸቕጢ ጽቡቅ ድዩ ልዑል ወይስ ትሑት ምዃኑ ይሕብር። ጸቕጢ ደም ማለት ደም ኣብ ዙርያ ኣካላት ክጭንጓዕ ከሎ ኣብ ጎድንታት ኣርተሪ ዝፈጥሮ ናይ ምድፋእ ሓይሊ ኢዩ። ትሑት ጸቕጢ ደም (ሃይፖቴንሽን) ዋላ እኳ ኣብ ገሊኦም ሰባት ጽርውርውን ምውዳቅን  ከስዕብ ዝኽእል እንተ ኰነ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ጸገም ኣይኰነን።

ልዑል ጸቕጢ ደም (ሃይፐርቴንሽን) ግን እንተ ዘይተሓኪሙ ንከበድቲ ጸገማት ከም ድኻም ልቢን ወቅዕን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ክብ ከብሎ ይኽእል። ስለዚ እዚ መርመራ እቲ ቀንዲ ዓቀን ጸቅጢ ደምካ ትፈልጠሉ ኮይኑ ከምኡ ውን ህይወትካ እተድሕነሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

መርመራ ጸቕጢ ደም መዓስን ኣበይን ትገብር

ኣብ ዝኾነ እዋን ብዛዕባ ዓቀን ደምካ እንተተጠራጢርካ መርመራ ናይ ጸቅጢ ደም   ክትገብር ይግባእ። ልዑል ወይ ትሑት ጸቕጢ ደም ከም ዘሎካ እንተ ተሓቢርካ ወይ ከኣ ክልቲኡ ናይ ምምዕባል ልዑል ተኽእሎ እንተ ኣልዩካ ጸቕጢ ደምካ ቀጻሊ ብምዕቃን ክትከታተሎ ይግባእ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ጸቅጢ ደም  መርመር ክግበር ይከኣል ኢዩ። ገለ ካብዚኣቶም ፦

  • ናይ ከባቢኻ ሓፈሻዊ ሓኪም መጥባሕቲ
  • ፋርማሲታት
  • ናይ ስራሕ ቦታታት

መርመራ ጸቕጢ ደም ብኸመይ ይግበር?

ጸቕጢ ደም ንዕቅነሎም መሳርሒታት ዝተፈላለዩ እኳ እንተኾኑ ኩሎም ግና ኣብ ቅልጽም ዝእሰር ክፋል (ካፍ) ኣለዎም። እዚ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽም ተጠቕሊሉ ክሳዕ ዝውጠር ብኣየር ይምላእ። እዚ ዘይምቹእነት ይፈጥር እኳ እንተኮነ ንውሑድ ደቃይቅ ጥራይ ኢዩ ዝጸንሕ። ክትዕቀን ከለካ ካብ ምዝራብ ክትቁጠብን ኣካላትካ ከተፍኩሶምን ኣገዳሲ ኢዩ። በዓልሞያ ክንክን ጥዕና ኣብ ግዜ ምዕቃን ጸቅጢ ደም ስቴተስኮፕ (መስምዒ) ይጥቀም ኢዩ። ኣብ ኣውቶማቲክ መሳርሒ ግና ካብቲ ኣብ ቅልጽም ዝእሰር ካፍ ዓቀን ብምልላይ ናብ ዲጂታል መርኣዪ ይለኣኽ።

ዓቀን ጸቕጢ ደም ብኸመይ ተንብብ?

ጸቕጢ ደም ብሚሊሜተር ሜርኩሪ ተዓቂኑ ብ2 ቍጽሪታት ድማ ይወሃብ ፦

  • ሳይስቶሊክ ጸቕጢ ደም – ልብኻ ንደም ክደፍኦ ከሎ ዝፍጠር ጸቅጢ።
  • ዳይስቶሊክ ጸቕጢ ደም – ልብኻ ኣብ መንጎ ህርመት ክተዕርፍ ከላ ዝፍጠር ጸቕጢ።

እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ኩሉ ግዜ ናይ ሳይስቶሊክ ጸቕጢ ኮይኑ ኩሉ ግዜ መጀመርታ ይጽሓፍ። ንኣብነት ፡ “120 ኣብ ልዕሊ 80” ወይ 120 / 80mg ማለት ናይ ሳይስቶሊክ ጸቕጢ 120ሚሊ ሜተር ሜርኩሪ ናይ ዳይስቶሊክ 80 ሚሊ ሜተር ሜርኩሪ  ኢዩ።

ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ፦

  • ንቡር ጸቕጢ ደም – ኣብ መንጎ 90 / 60 ክሳብ 120 / 80 ሚሊ ሜተር ሜርኩሪ ኢዩ።
  • ልዑል ጸቕጢ ደም – 140 / 90 ሚሊ ሜተር ሜርኩሪ ወይ ልዕሊኡ 
  • ትሑት ጸቕጢ ደም – 90 / 60 ሚሊ ሜተር ሜርኩሪ ሚሊ ሜተር ሜርኩሪ ወይ ድማ ትሕቲኡ

ዓቀንካ ካብ 120 / 80 ክሳብ 140 / 90 ሚሊ ሜተር ሜርኩሪ   እንተኾይኑ ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ከተማዕብል ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገባብ ኣተዓቃቅና ጸቅጢ ደም ኣብ ገዛ

  • ኣብ ገዛ ትዕቀን እንተለካ ውሑድ ሰዓታት እናፈላልካ ተዓቀን ምኽንያቱ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ለውጢ ክገብር ስለ ዝኽእል።
  • ብግቡእ ሰጥ ኢልካ ብሕቆኻ ተደጊፍካ ኮፍ ብምባል ኣእዳውካ ኣብ ጣውላ ደግፎ ከምኡ ውን ኣእጋርካ ኣብ መሬት ክዓርፍ ኣለዎ።
  • እቲ ካፍ መዕቀኒ እውን ኣብ ልዕሊ ክዳንካ ክትኣስሮ የብልካን። እንተተካኢሉ ሓጺር ኢዱ ክዳን ግበር ወይ ውን ክትስብስቦ ትኽእል ኢኻ።
  • ከም ንቡር ኣስተንፍስ ከምኡ ውን ኣብ ግዜ ዓቀን ኣይትዛረብ።

ምክትታል ጸቕጢ ደምካ ኣብ ገዛ

ሓፈሻዊ ሓኪም ልዑል ጸቕጢ ደም ከምዘለካ ተሓሲቡ ናይ 24 ሰዓት ተኸታታሊ ጸቕጢ ደም (ABPM) ዓቀን ክገብረልካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣብ መዓንጣኻ ዝእሰር ተንቀሳቃሲ መሳርሒ ምስቲ ናይ ቅልጽም ካፍ ብምትሕሓዝ ኣብ 24 ሰዓት ዘሎ ዓቀን ጸቅጢ ደም ምዕቃን ኢዩ። ኣብዚ እዋን መዓልታዊ ንጥፈታትካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገዛኻ ጸቕጢ ደምካ ብስሩዕ ክትከታተል እንተደሊኻ ፡ መዓቀኒ ማሽን ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ቤትካ ጸቕጢ ደም ንምዕቃን እትጥቀመሉ መሳርሒታትኣብ ገዛኻ ጸቕጢ ደምካ ብስሩዕ ክትከታተል እንተ ደሊኻ ፡ ዲጂታላዊ ናይ ጸቕጢ ደም ማሽን ክትዕድግ ይምረጽ። ነቲ ጸቕጢ ደምካ ኣብ ላዕለዋይ ኢድካ እትዕቅን ማሽን ደኣ እምበር ፡ ኣብ ጉምቦ ኢድካ ወይ ኣብ ኣጻብዕትኻ እትዕቅን ኣይትመርጽ። ብዛዕባ እዚ ንሓፈሻዊ ሓኪምካ ሓብር።

- Advertisement -spot_img

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img
Latest News

ሄማቹርያ (ደም ኣብ ሽንቲ)

ደም ኣብ ሽንቲ (ሄማቹርያ) መብዛሕትኡ ግዜ ብከቢድ ኩነታት ዝብገስ እኳ እንተዘይኮነ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ቀሪብካ ግን ክትምርመር ኣለካ። ከምዚ ምስ...
- Advertisement -spot_img

More Articles Like This

- Advertisement -spot_img