ምምሕልላፍ/ምስግጋር ደም

Must Read

እዚ ደም ካብ ሓደ ሰብ(ወሃቢ) ናብ ካልእ ሰብ (ተቀባሊ) ምስግጋር ማለት ኢዩ። እዚ ኣዝዩ ውሑስ ዝኾነ መስርሕ ኮይኑ ህይወት ከድሕን ይኽእል ኢዩ።

ስለምንታይ የድሊ?

ሕጽረት ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እንተ ኣልዩካ ፡ ምምሕልላፍ ደም ከድልየካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ሰውነትካ እኹል ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ምስዘየፍሪ ወይ ብዙሕ ደም ምስ ዝፈሰካ ኢዩ።

ንኣብነት: ከምዚ ዝስዕብ እንተድኣ ኣለካ ደም ምስግጋር ከድልየካ ይኽእል:-

  • ናይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ዝዓዩሉ/ዝሰርሕሉ መገዲ ዝጸሉ ኵነታት – ከም ማዕጺዳዊ ዋህዮ(ሲክል ሰል) ዋሕዲ ደም ወይ ሕማም ታላሰሚያ
  • ዝተፈላለዩ ንዋህዮታት ደም ዝጸልዉ ዓይነታት መንሽሮ ወይ ፍወሳ መንሽሮ – ከም መንሽሮ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ፡ ከሚካዊ ፍወሳ (ኬሞተራፒ)  ወይ ምስግጋር ጉንዲ ዋህዮ (ስተም ሰል) 
  • ብርቱዕ መድመይቲ – መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መጥባሕቲ ፡ ሕርሲ ወይ ከቢድ ሓደጋ ዘጋጥም

ደም ምስግጋር ንዝሰኣንካዮ ደም ክትክእ ይኽእል ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ደም ዝርከብ ፈሳሲ ወይ ዋህዮታት (ከም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ፡ ፕላዝማ ወይ ፕላትለትስ ዝብሃሉ ዋህዮታት) ክትክእ ይኽእል። ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ ስለምንታይ ምምሕልላፍ ደም ከምዘድልየኻ ንሓኪምኻ ወይ ነርስኻ ሕተቶ።

ኣብ ምስግጋር ደም እንታይ የጋጥም?

ቅድሚ ምስግጋር ደም እቲ መስርሕ ይግለጸልካ ከምኡውን ናይ ፍቓድ ቅጥዒ ንኽትፍርም ትሕተት። ዓይነት ደምካ ንምፍላጥ ድማ ናይ ደም መርመራ ይግበረልካ። እቲ ዓይነት ደም ዝሰማማዕ ጥራይ ተኮይኑ ኢዩ ዝውሃብ።

ኣብ እዋን ምምሕልላፍ ደም:

  • ኮፍ ትብል ወይ ኣብ ዓራት ትድቅስ
  • መርፍእ ኣብ ኢድካ ወይ ቅልጽምካ ኣብ ዘሎ ቨይን ይኣቱ
  • እታ መርፍእ ምስ ከረጺት ደም ብቱቦ ትራከብ   
  • እቲ ደም በቲ ቱቦ ኣቢሉ ናብ መትኒ ደምካ ይኣቱ 

1 ከረጺት ደም ክሳብ ዝውዳእ 4 ሰዓታት ክወስድ ይኽእል። ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም እንተዘይብልካ ወይ ብዙሕ ደም ዘድሊ እንተዘይኮይኑ ፣ ከም ንቡር ቀልጢፍካ ናብ ገዛ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን ምትሕልላፍ ደምን ድሕሪኡን እንታይ ይስመዐኩም?

እታ መርፍእ ክትኣቱ ከላ ቍሩብ ሸቅ ዘብል ስምዒት ክህሉ ዝክእል እኳ እንተዀነ ኣብ ግዜ ምስግጋር ደም ግና ቃንዛ ክስምዓካ የብሉን። ደም እናተቐበልካ ስሩዕ ዝኮነ ክትትል ክግበረልካ ኢዩ። ዝኾነ ጸገም ወይከኣ ዘይምቹእነት እንድሕር ተሰሚዑካ ንምሳኻ ዘሎ ኣልዪ ሓብር።

ገለ ሰባት ከም ረስኒ ፡ ቁሪቁሪ ወይ ዕንፍሩር ዝኣመሰሉ ከማዕብል ይኽእል ኢዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብፓራሲታሞል ወይከኣ ነቲ ምምሕልላፍ ደም ብምዝሓል ክፍወስ ይክእል። ኣብ ኢድካ ንሒደት መዓልታት ዝጸንሕ ቃንዛ ወይ ስንብራት ክህልው ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ደም ምስ ወሰድካ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ኣፍ-ልብኻ ወይ ሕቖኻ ናይ ምስትንፋስ ወይ ናይ ቃንዛ ጸገም እንተ ተተሰሚዕካ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ተራኸብ።

ተኽእሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናት

ደም ምምሕልላፍ  ልሙድን ውሑስን መስርሕ ኢዩ። ኩሎም እቶም ለገስቲ ደም ኣቀዲሞም ከም ሄፓታይትስ ወይ ኤችኣይቪ ዝኣመሰሉ ከበድቲ ሕማማት ከይህልዎ መርመራ ይግበረሎም።

ናይ ሕልኽላኻት ተኽእሎ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ንኣብነት :-

  • ቁጥዐ ኣካላት ኣንጻር ዝተለገሰ ደም
  • ጸገም ናይ ልቢ ፡ ሳንቡእ ወይ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት 

ኩሉ ግዜ ብዘይካ ኣብ ሕጹጽ ዝኮነ ናይ ምስግጋር መስርሕ እቲ ቅድሚ ምስግጋር ደም  ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ይሕበረካ ኢዩ። ዝኾነ ዘሰክፍ ነገር እንተሃልዩ  ምስ ሓኪም ወይ ነርስ ተዘራረብ።

ካልኦት ኣማራጺታት

ምስግጋር ደም ኣድላዪ እንተ ኰይኑን ካልእ ፍወሳ እንተዘይሰሪሑን ጥራይ እዩ ዝምረጽ። ምትሕልላፍ ደም ዘድለየካ እንተኾይኑ (ንኣብነት መጥባሕቲ እንተጌርካ ወይ ዋሕዲ ደም እንድሕር ሃልዩካ) ሓደ ሓደ ግዜ መድሃኒት ክወሃበካ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት፦

  • ናይ መድመይቲ ተኽእሎ ዝንኪ ፡ ንኣብነት ትራንዛሚክ ኣሲድ
  • ቀያሕቲ ዋህዮታት ደምካ ክብ ዘብሉ ፡ ከም ሓጺን(ኣይሮን) ከኒና ወይ መርፍእ  

እዚ ከኣ ነቲ ደም ናይ ምውሳድ ኣድላይነት ከጉድሎ ይኽእል ኢዩ።

ደም ድሕሪ ምውሳድካ ክትልግስ ትኽእል ?

ክሳብ ሕጂ ተፈሊጡ ከም ዘሎ ደም እንተወሲድካ ክትልግስ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ድማ ነቲ ብለገስቲ ዝመሓላለፍ ፍሉይ ሲጀይዲ (Variant CJD) ተባሒሉ ዝጽዋዕ ከቢድ ኩነት ንምክልኻል ኢዩ።

- Advertisement -spot_img

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img
Latest News

ሄማቹርያ (ደም ኣብ ሽንቲ)

ደም ኣብ ሽንቲ (ሄማቹርያ) መብዛሕትኡ ግዜ ብከቢድ ኩነታት ዝብገስ እኳ እንተዘይኮነ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ቀሪብካ ግን ክትምርመር ኣለካ። ከምዚ ምስ...
- Advertisement -spot_img

More Articles Like This

- Advertisement -spot_img