መርመራ ደም

Must Read

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

ኣብነታት

መርመራ ደም ሓደ ካብቶም ልሙዳትን ብዙሕ ጥቅምታት ዘለዎን  ሕክምናዊ መርመራ ኢዩ።

ንኣብነት ፡ ናይ ደም መርመራ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ክንጥቀመሉ ንኽእል ፦

  • ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕና ንምግምጋም
  • ረኽሲ እንድሕር ሃልዩኪ ንምፍካጥ
  • ከም ጸላም ከብድን ኩላሊትን ዝኣመሰሉ ገለ ኣካላት ክሳዕ ክንደይ ብግቡእ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ንምርኣይ
  • ዝተወሰኑ ጀነቲካዊ መርመራ ንምግባር

መብዛሕትኦም መርመራታት ደም ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ይውሰዱ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ድማ ብሓኪም ፡ ነርስ ወይ ፍሌቦቶሚስት (ናይ ደም ምውሳድ ክኢላ) ይፍጸሙ።

ምድላዋት መርመራ ደም

እቲ ደም መርመራ ዝእዝዘልካ ዘሎ  በዓልሞያ ኣብቲ ትገብሮ መርመራ ብምምርኳስ ቅድሚ መርመራ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነገራት እንተሃልዩ ክነግረካ ኢዩ።

ንኣብነት ፦ ኣብቲ ዓይነት መርመራ ደም ብምምርኳስ ፡ ከምዚ ዝስዕብ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ :-

  • ክሳብ 12 ሰዓታት ብዘይካ ማይ ዝኮነ ነገር ካብ ምብላዕን ምስታይን ተቖጠብ። 
  • ዝተወሰኑ መድሃኒታት ምውሳድ ኣቋርጽ።

ነቲ ዝወሃበካ መምርሒ ምትግባር ኣገዳሲ ኢዩ ፡ ምኽንያቱ ነቲ ውጽኢት መርመራ ክጸልዎ ማለት ከደንጒዮ ወይ ከም ብሓድሽ ክትደግሞ ይግድደካ ኢዩ።

ኣብ እዋን መርመራ ደም እንታይ እዩ ዘጋጥም?

መርመራ ደም ካብቲ ኣብ ኢድ ዘሎ ሰራውር ደም ንመርኣዪ ብምውሳድ ይካየድ። ቅልጽም ብቐሊሉ ክቕላዕ ስለ ዝኽእል እቲ ቀንዲ ንጥቀመሉ ክፍሊ ኣካላትና ኢዩ። እቲ ደም ንወስደሉ ልሙድ ቦታ  ውሽጣዊ ክፋል ኵርናዕ ኢድ ወይ ጕምቦ ኢድ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ቦታ ዝርከቡ ሰራውር ደም ብቀሊሉ ክርኣዩ ስለ ዝኽእሉ።

ኣብ ህጻናት ግና ደም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ድሕሪት ኢድ ይውሰድ። ደም ቅድሚ ምውሳድ ፍሉይ ክሬም ብምጥቃም ቘርበቶም ክደንዝዝ ይኽእል ኢዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ኢድ ተሪር መእሰሪ ንጥቀም። እዚ ንኢድ ይጭብጦ ፡ ንግዚኡ ድማ ምውሓዝ ደም ከም ዝንኪ ብምግባር ነቲ ቨይን ከም ዚሓብጥ ይገብሮ። እዚ ከኣ ብቐሊሉ ደም ክንወስድ የኽእለና።ሓኪም ወይ ኣላዪ ሕሙም ደም ቅድሚ ምውሳዱ ፡ ነቲ ቘርበት ጸረ-ረኽሲ ገይሩ ከጽርዮ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ መትሓዚ ስትሪንጋ (ፍሉይ መትሓዚ) እተጸግዐ መርፍእ ናብ ውሽጢ ቨይን ይኣቱ። እቲ ስትሪንጋ ንመርመራ ዝኸውን ደም ንምቕዳሕ ይጠቅም። እታ መርፍእ ክትኣቱ ከላ ቍሩብ ሸቅ ዘብል ስምዒት ክህሉ ዝክእል እኳ እንተዀነ ቃንዛ ግና ክስምዓካ የብሉን። መርፍእን ደምን ዘይትፈቱ እንተ ዄንኻ ነቲ ደም ዝወስድ ዘሎ ሰብ ብምሕባር ምቹእነት ክፈጥረልካ ይክእል ኢዩ።

እቲ ደም ምስ ተወስደ እቲ መእሰሪን እታ መርፍእን ድማ ይእለዩ። ንሒደት ደቓይቕ ድማ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ ጸምሪ ብምጥቃም ነታ ደም ዝወስድናላ ቦታ ንጸቅጣ። ከምኡ ውን ነታ ቁስሊ ብጽሬት ንምሓዝ ብፕላስተር ክንሽፍና ንኽእል ኢና።

ድሕሪ መርመራ

ኣብ እዋን መርመራ ውሑድ ደም ጥራይ ስለ ዝውሰድ ዝኮነ ስክፍታ ክስምዓካ የብሉን። ይኹን ምበር ገለገለ ሰባት ጽርውርው ከብሎም ከምኡ ውን ከውድቆም ይክእል ኢዩ። ኣቐዲሙ ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ ነቲ መርመራ ዘካየድ ዘሎ ሰብ ዝያዳ ክሕግዘካን ምቹእነት ክፈጥረልካን ሓብሮ። ድሕሪ መርመራ እታ መርፍእ ዝኣተወትሉ ንእሽቶ ስምብራት ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። ስምብራት ኣቐንዛዊ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተኮነ ፡ ኣብ ውሑድ መዓልታት ዝጠፍእን ዘይጓዳእኝ ኢዩ።

ውጽኢት መርመራ ደም

እቲ ደም ምስ ተወስደ ኣብ ጥርሙዝ ብምቅማጥ ስምካን ዝርዝር ሓበሬታኻን ይጽሓፎ። ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ማይክሮስኮፕ ወይ ድማ ብከሚካል ክምርመር ናብ ላቦራቶሪ ይለኣኽ። እቲ ውጽኢት ናብ ሕክምና ወይ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኢዩ ዝምለስ። ገሊኡ ውጽኢት መርመራ ኣብ ሓደ ወይ ሒደት መዓልታት ክውዳእ ከሎ ገሊኡ ግና ሰሙናት ክጸንሕ ይኽእል ኢዩ። ውጽኢትኩም መዓስ ከምዝዳሎን ብኸመይ ከምዝውሃበኩምን ክሕበረካ ኢዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ፡ ውጽኢት መርመራ ምቕባል ውጥረትን ጓህን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እትኣምኖ ፈታዊኻ ወይ ዘመድካ ክትማላእ ጠመርእጺ ኢዩ። ገለ ከም ናይ ኤችኣይቪ (HIV) ዝኣመሰሉ መርመራታት ውጽኢትካ ኣብ ምቅባል ብዝሕግዙ ክኢላታት ምኽሪ ይወሃበካ።

ኣብነታት

ናይ ደም መርመራታት ንዝተፈላለዩ ነገራት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፦ ንኣብነት ሕማማት ንምፍላጥ ፡ ጥዕና ናይ ገለ ኣካሊት ንምግምጋም ወይ ከኣ መርመራ ናይ ገለ ጀነቲካዊ ኩነታት ንምፍላጥ።

መርመራ ናይ ደም ኮለስትሮል

ኮለስትሮል ስብሓዊ ጥረ ነገር ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ጸላም ከብዲ ካብቲ እንወስዶ ስብሓዊ መግብታት መግቢ ተጠቂማ ትምስርሖ። ኣብ ዕለታዊ ንቡር ኣሰራርሓ ኣካላትና ድማ ኣገዳሲ ኢዩ።

ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ምስ ዝህልወካ ከም መጥቃዕቲ ልብን ወቕዒን ዝኣመሰሉ ከቢድቲ ጸገማት ንኸጋጥሙካ ተወሳኺ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።

ኣብ ደም ዝህሉ መጠን ኮሌስትሮል ብቐሊል መርመራ ደም ክልካዕ ይኽእል ኢዩ። ቅድሚ እቲ መርመራ ን12 ሰዓታት (ግዜ ድቃስ ብምጥቅላል) ከይበላዕካ ክትጸንሕ ከም ዘለካ ክንገረካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኩሉ መግቢ ምሉእ ብምሉእ ክሓቅቅን ኣብቲ ውጽኢት ከኣ ዝኮነ ጽልዋ ከይገብርን ይሕግዝ። 

መራብሒ ደም

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅልጽምካ ዝርከብ ቨይን ከምኡውን 1 ወይ ካብ 1 ንላዕሊ ካልእ ክፋላት ኣካላትና ውሑድ ደም ብምውሳድ ይካየድ።

እቲ ዝተወስደ ደም ዕቤት ባክተርያ ንምትብባዕ ተባሒሉ ምስ ዝተዳለወ መኣዛታት ይሕወስ። እዚ ድማ ዝኾነ ባክተርያ ኣብ ደምካ ምህላዉን ዘይምህላውን ክሕብር ይኽእል። ኩሉ ግዜ እንተ ወሓደ 2 ቅምሶታት የድሊ።

መርመራ ናይ ደም ጋዛት

ኣብዚ መርመራ ደም መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጉምቦ ኢድና ዘለዉ ኣርተሪ ኢዩ ዝውሰድ። እዚ ቃንዛ ስለዘለዎ ኣብ ሆስፒታል ጥራይ ኢዩ ዝካየድ። እዚ መርመራ ብምግባር ኣብ ደምካ ዘሎ ናይ ኦክስጅንን ካርቦንዳይኦክሳይድን ሚዛን ከምኡ ውን ናይ ኣሲድን ኣልካሊን ሚዛን (PH) ንክትፈልጥ ይጠቅም።

ናይ PH (ጻዕቂ ሃይድሮጅን) ምምዝባል በዚ ዝስዕብ ከጋጥም ይኽእል:-

  • ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘጋጥም ጸገማት ፡ ከም ነድሪ ሳምቡእ ወይ ሕዱር ሕማም ሳንቡእ (COPD) 
  • ንሜታቦሊዝም (ኣካላትና ንመግቢ ናብ ጸዓት ንምብርባር ዝጥቀመሉ ከሚካላዊ መስርሕ) ዝጸልዉ ሕማማት ከም ሽኮርያ ፡ ናይ ኩሊት ድኻም ወይ ቀጻሊ ተምላስ።

መርመራ ናይ ደም ሽኮር

ሽኮርያ ንምፍላጥን ንምቁጽጻርን ኣብ ደም ዘሎ መጠን ሽኮር ብምዕቃን ብዙሕ መርመራታት ክግበር ይከኣል ኢዩ።

እዚ ድማ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልል ፦

  • ኣብ ጾም ዝግበር ናይ ግሉኮስ መርመራ – ድሕሪ ጾም (ብዘይካ ማይ ዝኾነ ነገር ከይበላዕካን ከይሰተኻን 8 ሰዓት ጸኒሕካ) ዝግበር ዓቀን ኢዩ። 
  • ናይ ግሉኮዝ ተጻዋርነት መርመራ – ድሕሪ ጾም ኣብ ደምካ ዝርከብ ዓቀን ግሉኮዝ ምስ ተመርመረ ከም እንደገና ግሉኮዝ ድሕሪ ምውሳድ 2 ሰዓት ጸኒሕካ ዓቀን ምውሳድ።
  • መርመራ Hb1C – ኣብ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ገምጋም መጠን ሽኮር ኣብ ደምካ ንምርግጋጽ ኣብ ሆስፒታል ዝግበር መርመራ።

ናይ ደም ግሉኮስ መዐቀኒ መሳርሒታት ኣብ ገዛ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። 

ዓይነት ደም ምፍላጥ

እዚ ቅድሚ ደም ምልጋስ ወይ ደም ምውሳድ ፡ እንታይነት ዓይነት ደም ንምርግጋጽ ዝግበር ኢዩ። ምስ ዓይነት ደምካ ዘይቃዶ ደም እንተ ተዋሂቡካ ፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማምካ ነቶም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ብምጥቃዕ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ጥንሲ እቲ ዘይተወልደ ህጻን ካብ ኣዲኡ ዝተፈልየ ናይ ዓይነት ደም ክህልዎ ይኽእል እዩ ፡ በዚ ድማ ናይታ ኣደ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ንቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ናይቲ ቆልዓ ከጥቅዕ ይኽእል። እዚ ሕማም  ብረሱስ ኢዩ ዝፍለጥ።

ዓይነት ደምካ ኣቐዲምካ እንተዘይፈሊጥካ ናብ ሕማም ረሱስ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎካ ንምፍላጥ ኣብ እዋን ጥንሲ እንተወሓደ ሓንሳብ መርመራ ናይ ዓይነት ደም ይግበር። ናብ ሕማም ረሱስ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ እንተልዩ ንመጥቃዕቲ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም ናይታ ኣደ ኣብ ልዕሊ ዋህዮታት ደም ዕሸላ ዝዕንቅጽ መድሃኒት ይውሃባ ኢዩ።

መርመራ መንሽሮ

ዝተፈላለዩ ናይ ደም መርመራታት ምክያድ ገለ ዓይነት መንሽሮ ናይ ምንጻር ወይ ፍሉይ ዓይነት መንሽሮ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኻ ክብ ዝበለ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ይሕግዙ።

እዞም መርመራታት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፦

  • ናይ ፕሮስቴት ፍሉያት ኣንቲጂን (PSA) – እዚ መንሽሮ ፕሮስቴት ንምፍላጥ ይሕግዝ። ካልእ ጸገማት ከም ዕቤት ጽኪ ፕሮስቴት ወይ ፕሮስቴታይትስ (ረክሲ ፕሮስቴት) ንምልላይ እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።
  • CA125 ፕሮቲን – CA125 ዝተባህለ ፕሮቲን መንሽሮ ማህደር-እንቋቁሖ ከም ዘለዎ ክሕብረና ይኽእል ኢዩ። ምልክት ናይ ጥንሲ ወይ ነድሪ ጎሎ (PID) እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
  • BRCA1ን BRCA2ን ጂን – ገለ ካብዞም ጂናት እዚኣቶም እታ ሰበይቲ መንሽሮ ጡብን መንሽሮ ማህደር-እንቋቁሖን ናይ ምምዕባል ተኽእሎኣ ኣዝዩ ክብ ከብልዎ ይኽእሉ። እዚ መርመራ መንሽሮ ኣብ ስድራ ቤትካ እንተ ነይሩ ምግባር የገድስ።

መርመራ ክሮሞዞም (ካሮታይፒንግ)

እዚ መርመራ እዚ ክሮሞዞምስ ዝተባህሉ ናይ ጂን ባእታታት ንምምርማር ይጠቅም።ነቶም ክሮሞዞም (ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ 23 ጽምዲ ክህልዋ ይግባእ) ብምቝጻርን ቅርጾም ብምምርማርን ፡ ኣብ ጂን ዝርከቡ ዘይንቡር ነገራት ከለልዩ ይኽእሉ።

መርመራ ክሮሞዞም ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል ፦

  • ሕማማት ጾታዊ ምዕባለ ፡- ከም ምድንዛዝ ኣንድሮጅን(ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ሆርሞን) ሲንድሮም ንምፍላጥ ይሕግዝ።
  • ተደጋጋሚ ምንጻል ጥንሲ ንዘጋጠሞም መጻምድቲ  ናይ ክሮሞዞም ጸገም ተሓታቲ ከይህልዎም ንምርኣይ።

ናይ ምርጋእ ደም መርመራ

እዚ መርመራ ኩነታት ምርጋእ ደም ናይ ኣካላት ከመይ ከምዘሎ ክንፈልጥ ይሕብረና።ደምካ ንክረግእ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እንተ ኰይኑ ምልክት ናይ ሄሞፊልያ ወይ ቮን ዊልብራንድ ዝብሃል ሕማም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ዓለምለኻዊ ንቡር ዓቀን (INR) ተባሒሉ ዝጽዋዕ ዓይነት መርመራ ከም ዋርፋሪን ዝኣመሰሉ ጸረ-ምርጋእ መድሃኒት ብክንደይ ዓቀን ክንህቦም ከም ዘለና ክንፈልጥ ይሕግዘና።

መርመራ ሪኣክቲቭ ፕሮቲን (CRP-ሲኣርፒ)

እዚ ድማ ነድሪ ንዘስዕቡ ቅድመ-ኩነት ንምምርማር ዝሕግዝ ካልእ መርመራ ኢዩ። ሲኣርፒ ብጸላም ከብዲ ዝዳሎ ኮይኑ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ እንተ በዚሑ ምልክት ነድሪ ኢዩ።

መርመራ ኤሌክትሮላይት

ኤለክትሮላይትስ ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ማዕድናት ኮይኖም ኣካላትና ጥዑይ ሚዛን ማይ ክህልዎ ይሕግዙ። ገለ ካብዞም ማዕድናት ፦ ሶድዩም ፡ ፖታሽዩምን ክሎራይድን ክጥቀሱ ይክእሉ። ዓቀን ናይዞም ማዕድናት ብዝተፈላለየ ኣስጋእቲ ኩነታት ከም ድርቀት ሰብነት ፡ ሽኮርያ ወይ ገለ መድሃኒታት ክጽሎ ይክእል።

ናይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ምዝፋፍ ዓቀን (ESR-.ኤስ.ኣር)

እዚ መርመራ እዚ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ኣብ ታሕቲ መመርመሪ ቱቦ ንክኮኑ ኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝወስደሎም ይዕቅን። ቀልጢፎም ኣብ ታሕቲ ተዘፊፎም ልዑል መጠን ነድሪ ከምዘሎ ይሕብር።

መብዛሕትኡ ግዜ ኢ.ኤስ.ኣር. ምስ ነድሪ ዝተሓሓዝ ኵነታት ንምንጻር ይጠቅም። ንኣብነት :-

  • ሕማም ቅርጥማት
  • ሕማም ኢንዶካርዳይትስ (ረኽሲ ውሽጣዊ ሽፋን ልቢ)
  • ሕማም ክሮይን
  • ናይ ዓርሞሸሽ ዋህዮ ነድሪ ኣርተሪ 
  • ፖሊማሊጂያ ሩማቲካ 

ኢ.ኤስ.ኣር. ምስ ካልእ ፈተናታት  ብምሕዋስ ረኽሲ ምህላዉን/ዘይምህላዉን ንምርግጋጽ ክጠቅም ይኽእል ኢዩ።

ምሉእ ቆጸራ ደም (ኤፍ..)

እዚ መርመራ እዚ ኣብ ደምካ ንዘለዉ ዓይነታትን ቁጽርን ናይ ዋህዮታት ደም ማለት ከም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ፡ ጸዓዱ ዋህዮታት ደምን ፕላትለትን ንምፍላጥ ይሕግዝ። እዚ ከኣ ሓፈሻዊ ጥዕናኻ ከመይ ከምዘሎን ከምኡውን ብዛዕባ ገለ ናይ ጥዕና ጸገማትካ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክህልወካ ይሕግዝ።

ንኣብነት ፡ ሓደ ኤፍ.ቢ.ሲ ምልክታት ናይዞም ዝስዕቡ ንምልላይ ይሕግዝ ፦

  • ብሰንኪ ዋሕዲ ኣይሮን/ሓጺን ወይ ድማ ዋሕዲ ቪታሚን ቢ12 ዝስዕብ ዋሕዲ ደም
  • ረኽሲ ወይ ነድሪ
  • ሕማማት መድመይቲ  

ጀነቲካዊ ፈተናን መርመራን

እዚ ከኣ ንመርኣዪ ዝኸውን ዲ.ኤን.ኤ. ካብ ደምካ ብምውሳድ ፡ ዝኾነ ጂናዊ ለውጢ ከይህሉ ንምፍላጥ ይሕግዝ።

በዚ መንገዲ እዚ ክፍለጡ ዝኽእሉ ተዎርሳዊ ሕማማት ፡-

  • ሄሞፊልያ – ናይ ደም ናይ ምርጋእ ክእለት ዝጸሉ ኵነታት
  • ሲስቲክ ፋይብሮሲስ – ኣብ ሳንቡእ መለግለግ ዝብል ሙኮስ ከም ዝፍጠር ዝገብር ሕማም
  • ስፓይናል ማስኩላር ኣትሮፊ – ድኽመት ጭዋዳታትን ቀጻሊ ምንቅስቓስ ኣካላት ምስኣንን ዘስዕብ ናይ ዓንዲ ሕቆ ጸገም
  • ሲክል ሰል (ማዕጺዳዊ ማህዮ) ዋሕዲ ደም – ሕጽረት ንቡር ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ዘስዕብ
  • ፖሊሲስቲክ ሕማም ኩሊት – ኣብ ኩሊት ፈሳሲ ዝመልኡ ከረጺት (ሲስት) ዝፈጥር ሕማም 

ብተወሳኺ ጀነቲካዊ መርመራ ሓደ ሰብ ጀነቲካዊ ሕማም ናይ ምምዕባል ተኽእሎኡ ዝውስኽ ፍሉይ ጂን ኣለዎን የብሉን ንምፍላጥ ይሕግዝ።

ንኣብነት ፡ ሓውኻ ወይ ሓብትኻ ከም ሕማም ሃንቲንግተን ዝኣመሰለ ድሒሩ ዝመጸ ጀነቲካዊ ኵነታት እንተ ኣማዕቢሎም ፡ እቲ ኵነታት ኣባኻ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኡ ንምፍላጥ ክትምርመር ይግባእ።

መርመራ ስራሕ ጸላም ከብዲ

ጸላም ከብዲ ምስ እትበላሾ ኢንዛይም ዝብሃሉ ባእታታት ናብ ደም ትሰድድ ከምኡ ውን ዓቀን እቲ ጸላም ከብዲ እተዳልዎ ፕሮቲን ይጎድል። ዓቀን ናይዞም ኢንዛይምን ፕሮቲንን ብምዕቃን ፡ ጸላም ከብዲ ከመይ ትሰርሕ ከምዘላ ክትፈልጥ ትክእል።

እዚ ከኣ ከም ሄፓታይትስ (ረኽሲ ጸላም ከብዲ) ፡ ሕማም ሲሮሲስ (በሰላ ጸላም ከብዲ) ከምኡ እውን ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዝተሓሓዝ ሕማም ጸላም ከብዲ ዝኣመሰለ ሕማማት ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።

መርመራ ስራሕ ታይሮይድ

እዚ መርመራ ኣብ ደምካ ዘሎ ዓቀን ናይ ታይሮይድ ዘነቓቕሕ ሆርሞን (TSH) ከምኡውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ናይ ታይሮክሲንን ትራዪኣዮዶታይሮኒን (ታይሮይድ ሆርሞናት) ንምፍላጥ ይሕግዝ።

ትሑት ወይ ልዑል መጠን ናይዞም ሆርሞናት ምስ ዝህልወካ ከም ዘይንጡፍ ታይሮይድ ወይ ልዕሊ-ንጡፍ ታይሮይድ ዝኣመሰሉ ሕማም ታይሮይድ ኣለካ ማለት ኢዩ።

- Advertisement -spot_img

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

- Advertisement -spot_img
Latest News

ሄማቹርያ (ደም ኣብ ሽንቲ)

ደም ኣብ ሽንቲ (ሄማቹርያ) መብዛሕትኡ ግዜ ብከቢድ ኩነታት ዝብገስ እኳ እንተዘይኮነ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ቀሪብካ ግን ክትምርመር ኣለካ። ከምዚ ምስ...
- Advertisement -spot_img

More Articles Like This

- Advertisement -spot_img